Derma Rijnmond

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝትግበሩ ምኽሪታት፡
ኩሉ ግዜ ካብ ካልኦት ሰባት ናይ 1.5 ሜተር ርሕቐት ሓልው።
ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ግን ምስ ነንሓድሕዶምን፣ ምስ ልዕሊ ዕድመ ሰባትን ክቀራረቡ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሓት ሰባት ናብ ዘለዎ ቦታታት ኣይትኺድ።
ብዝተኻእለ መጠን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ስራሕ።
ኣብ ገዛ እንተበዝሑ 3 ዝበጽሑ ሰባት ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።
ካብ ገዛኻ ወጻኢ እውን እንተበዝሐ ምስ 3 ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

መሸፈኒ–ኣፍ፡ ሓድሽ ምኽሪ ንዕድሚኦም 13 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት
ኣብ ውሽጢ ህንጻታት መሸፈኒ-ኣፍ ግበር።
ንኣብነት ኣብ ዱኳናት፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲን ኣብ ቤት-መግብን።
ኮፍ ኣብ ዝበልካሉ እዋን፣ ነቲ መሸፈኒ-ኣፍ ክትኣልዮ ትኽእል ኢኻ።ንኣብነት ኣብ ጠረጴዛ ናይ ቤት-መግቢ።
እንተድኣ ክትንቀሳቐስ ኮይንካ፣ ነቲ መሸፈኒ-ኣፍ እንደገና ግበሮ፣ ንኣብነት ናብ ሽንቲ-ቤት ክትከይድ እንከለኻ።

ህዝባዊ መጎዓዝያ
ህዱእ ማለት ጻዕቂ ሰብ ዘየለ ምስ ዝኸውን ጥራይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ተጠቀም።
ዕድመኻ ካብ 13 ዓመት ንላዕሊ ምስ ዝኸውን፣ ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ መሸፈኒ-ኣፍ ክትገብር ኣለካ። እንተድኣ መሸፈኒ-ኣፍ ዘይገበርካ፣ ናይ € 95 መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ምልክታት-ሕማም ምስ ዝህልወካ፡ መርመራ ግበር፣ ከምኡ እውን ኣብ ገዛ ኮፍ በል
መርመራ-ኮሮና ግበር፣ ከምኡ እውን ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት-ሕማም 1 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝህልወካ ኣብ ገዛ ኮፍ በል፡

ረስኒ (ልዕሊ 37.5 ዲግሪ)
ናይ ምስትንፋስ ጸገም
ሃንደበት ክትሽትት ወይ ብመልሓስ ክትጥዕም ዘይምኽኣል
ምስዓል
ምህንጣስ
ዕንጓል ንፋጥ ኣብ ኣፍንጫኻ
ቃንዛ ጎረሮ
ረስኒ ወይ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምስ ዝህልወካ፣ ነፍሰወከፍ ምሳኻ ኣብ ገዛ ዝነብር ሰብ እውን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ኣለዎ። ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ነቲ መርመራ ኣይትግበሮ። ስለዚ መርመራ ምግባር ኣድላዪ ኣይኮነን።

መርመራ ምግባር፡
መርመራ-ኮሮና ብነጻ እዩ።
ንስኻ ብ2 ኣገባባት ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡
ብመንገዲ ኮምፒተር፡ ናብ መርበብ-ሓበሬታ www.coronatest.nl ኪድ። ነዚ ንምግባር ናትካ ደይ.ኸይ.ደይ [DigiD] የድልየካ እዩ።
ብመንገዲ ተሌፎን፡ ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1202 ደውል።
ክሳብ ካብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ማለት ኸይ.ኸይ.ደይ [GGD] ውጽኢት እትቕበል ኣብ ገዛ ኮፍ በል።
እቲ ውጽኢት ክሳብ እትቕበል እውን በጻሕቲ ክትቅበል ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና [GGD] መዓስ እንደገና ናብ ደገ ክትወጽእ ከም እትኽእል ክሕብረካ እዩ።

ሓኪም
ምልክታት-ሕማም ናይ ኮሮና ምስ ዝህልወካ ናብ ሓኪም ዘይምኻድ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ መጀመርታ ደውል።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.Thuisarts.nl ብዛዕባ ኮሮና ዝምልከት ገና ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡                                                    
ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1351 ደውል።

እንታይ ክትገብር ይግባኣካ?
ነዞም ዝስዕቡ ጠቐምቲ ምኽርታት ንተዓዘብ፣                                                            

.ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ የእዳውካ ብሳምና ተሓጸብ። መንጎ ኣጻብዕትኻ ውን ጽቡቕ ጌርካ ሕጸቦ።

.ኣብ እትሕንጥሰሉ ወይ ድማ እትስዕለሉ እዋን መንዲል ወይ ድማ ሶፍት ተጠቀም።

ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።

ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!

Glashaven 14-G, 3011 XH Rotterdam | T 010 23 321 53 | E info@derma-rijnmond.nl
Woordbouwerplein 1, 3224 XL Hellevoetsluis
Cookies | Privacy | Disclaimer

Waardeer mij